ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018 (ኢዜኣ) ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት፤ ሩባ ወልመል ብመስኖ ብኣግባቡ ብምጥቃም መፍረያይነት ግብርና ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቶ ፕሮጀክት ዘላቒ ስርዓት መስኖ ገፀ ምድሪ ብምህናፅ ንዘበናት ኣብ ማይ ዝናብ ጥራሕ ዝተፀግዐ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘላቒ ሜላ መነባብሮ ንምርካብ ተተሊሙ ዝተሰርሐ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ተግባር ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ንከባቢ 20 ሽሕ ሓረስቶት ዘገልግል 9687.45 ሄክታር መሬት ሕርሻ ዘተኣማምን ቀረብ መስኖ ከምዝህልዎ ፀሪሖም።
እዚ ድማ መፍረያይነት ግብርና ዘዕቢ፣ንድርቂ ዘይቃላዕ ከባቢ ዝፈጥርን ኣብቲ ማሕበረሰብ ሓደሽቲ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን እዩ ኢሎም።
ካብዞም ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ብተወሳኺ ትካላት ምምሕዳር ማይ እቲ ከባቢ ብምጥንኻር፣በዓል ዋንነት ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምዕባይን ዘላቒ ኣጠቓቕማ ሩባ ወልወል ብምጥንኻርን ንዝሓሸ ልኣላዊነት ምግቢ ከምዘገልግል ኣብ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።