ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምዝታይ ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ናይ ኩላትና ፃዕሪ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን የድሊ-ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ

ሆሳዕና/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምዝታይ ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ናይ ኩላትና ፃዕሪ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን የድሊ ክብሉ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ “እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሆሳዕና መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ።



ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ምዝታይ ንቀፃሊ ዕድል ኢትዮጵያን ህዝባን ወሳኒ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ዝካየድ እዚ ሃገራዊ ምክክር ሰናይ ዕድል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ዕድል ምጥቃም ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ኣብዚ ከይዲ ብፍላይ ድማ ተሳትፎ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕዉትነቱ ተመሳሰልቲ መድረኻት ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሃገራዊ ፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ኹሉ ተሳትፎ ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ ንተግባራዊነቱ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ኣገንዚቦም።
ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምዝታይ ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ናይ ኩላትና ፃዕሪ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን የድሊ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም