ኣብታ ከተማ ተረባሕነት ህዝቢ ብዝበለፀ ዘረጋገፁ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ተረባሕነት ህዝቢ ብዝበለፀ ዘረጋገፁ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምስላጦም ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ግምገማ ምክያድ ጀሚሩ።



ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብቶም ኣዋርሕ ክረምቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ መነባብሮ ከስዕቡ ዝኽእሉ ስራሕቲ ብምፍላይ እቲ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።
ስለዝኾነ እውን ብመዳይ ፅዕንቶ ምኽባር ናብራ ምቕናስ ምርግጋዕ ዕዳጋ፣ፍርያት ብበዝሒ ንክኣቱ ምግባር፣ኣብ ዕዳጋ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፀገማት ምቁፅፃርን ፅዕንቶ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ምቅላልን ዘኽኣሉ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም ኢለን።
ሰብ ውዕለታ ሃገር፣ዓቕሚ ዘይብሎምን ንማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑን ወገናት ብምፍላይ ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ እውን ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ኣባይቲ ንምስራሕ ተተሊሙ ልዕሊኡ ከምዝተሰርሐ ኣረዲአን።
ስራሕቲ ምፅናዕ ሰላም ብተሳትፎ እቲ ሕብረተሰብ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ምስላጦም እውን ፀሪሐን።
በዓላት ክብሮም ሓልዮም ብሰላማዊ መንገዲ ንክኽበሩ ከምኡ እውን ሓድነት እቲ ህዝቢ ንክጠናኸር ከምዝተገበረ ተዛሪበን።
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ስሕበት ኮንፈረንስ ቱሪዝም ንክትኸውን ብምግባር ብርክት ዝበሉ ሃገር ለኸን ዓለም ለኸን ፍፃመታት ከምዘተኣናገደት ገሊፀን።
ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ግምገማ፤ ኣብቲ ርብዒ ዓመት ዝተተለሙን ዓበይቲ ስራሕቲ 90 መዓልትታት ዝበፅሕዎ ብርኪ ኣፈፃፅማን ከምዝግምገሙ ኣረዲአን።



 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም