ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ-እቲ ኮሚሽን

ቦንጋ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ ኮሚሽን “እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ምኽክር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ቦንጋ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።



ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሙሉጌታ ኣጎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝረኣዩ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን ሓሳብ ብምኽክር ንምፍታሕ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕበብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ብምውዳድ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ።
ብስእነት ሰላም ብዋናነት ተጎዳእቲ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ስለዝኾኑ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እዞም ክፋላት ሕብረተሰብ እዚኦም እጃሞም ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ እውን ሓቲቶም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ዝተሓቖፉ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንኣፈላላይን ዘይምርድዳኣትን ምኽንያት እዮም ዝበልዎምን ሃገራዊ ምርድዳእ ክግበረሎም ዝግባእ ዝብልዎምን ሓሳባት ብምውዳድ ነቲ ኮሚሽን ምቕራቦም ገሊፆም።



ዕላማ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ዘተ እውን ካብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንቀፃሊ ስራሕ እቲ ኮሚሽን ምኽረ ሓሳብ ንክህቡን ምኽክር ባህሊ ኮይኑ ንክቕፅል እጃሞም ንክዋፅኡን እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም