ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ገሊፆም።
ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ፣ኮሌጅ ዋር ምክልኻልን ዩኒቨርሲቲ ሰመራን “ስርዓታት ክልቲኦም ማያትን ስትራቴጂካዊ ነፃነት ኢትዮጵያን፣ምትእስሳር ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ከምኡ እውን ስትራቴጂካዊ እጃም ዓፋር ምድህሳስ”ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ምኽክር ይካየድ ኣሎ።



ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ኣብዚ እዋን፤ መከፋፈሊት ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ምድረ ስልጡናት ህዝብን ሓርበኛታትን ዝኾነት ኢትዮጵያ ምስ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዋን ኣስኳል ቀርኒ ኣፍሪካን ምዃና ተዛሪቦም።
ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ልምዓት ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።
ጂኦፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያ እውን ካብ ክልቲኦም ኣካላት ማይ ዝቃነ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ እንትንቐርብ ሓያልነትናን ኣተሓሳስባናን ይሰፍሕ ኢሎም።
ንዝሓለፉ 3 ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ቀይሕ ባሕርን ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕርን ምርምርን ዘተታት ፖሊሲን ምክያድ ፈፂሙ ዘይሕሰብ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
“ስትራቴጂካዊ ነፃነት ክልቲኦም ማያትን ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ኮንፈረንስ እውን ክልቲኦም ማያት ኩለ መድያዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መዓልታዊ ኣጀንዳ ምግባር ኣድላይ ብምዃኑ እዩ ኢሎም።
ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብቲ ባሕሪ ብዝዘለለ ምስ ናይ ባዕልኻ ታሪኽ፣ጂኦግራፊ፣ሓቅን ስነ ልቦናን ምትዕራቕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰመራ መሀመድ ዑስማን(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ መድረኽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዘኽእል ሙሁራዊ ዘተ ንምግባር ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
ድሌት ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ እውን ምስ ታሪኽ፣ጂኦግራፊን ዞባዊ ድሕንነትን ብቀጥታ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።



ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ደገፍ ንውግእ ኮሞዶር ተገኝ ለታ፤ ኩለ መዳያዊ ብሄራዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ምስ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም።
ቅድሚ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግማይ ብሓይሊ ሰብ ብምውዳብ ብቴክኖሎጂ ዘተኣማምንን ጠንካራን ሰራዊት እናተሃነፀ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም