ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል እዩ 




ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /8/2018(ኢዜኣ) ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል ምዃኑ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ስለሺ ካሳ ገሊፆም።
ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ስለሺ ካሳ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል እዩ።
ኢትዮጵያ ብተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ዝንቀሳቐስ መሰረተ ልምዓት ባቡር ትኹረት ምግባራ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ንዝርከቡ መስመራት ባቡርን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ካልኦት ከባብታት መስመራት ንምዝርጋሕ ዝተትሓዙ ትልምታትን ንምዕዋት ዕድላት ከምዘስፍሑ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት እታ ሃገር 8 መስመራት ብምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ባቡር ንምስፍሕፋሕ ከምዝተተለመ ኣረዲኦም።
እዞም ህንፀታት እንትዛዘሙ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኦም መኣዝናት ብመሰረተ ልምዓት ባቡር ዝተኣሳሰረት ክትኸውን እያ ኢሎም።
ዕቤት እቲ ዓውዲ ባቡር ንምስላጥ ካብ ቻይና፣ጀርመን፣ደቡብ ኮሪያ ቴክኒካል ደገፍ ንምርካብን ስግግር ቴክኖሎጂ ንምፍጣርን እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ንህንፀት ኣካላትን መሰረተ ልምዓትን ባቡር ዝውዕሉ ፍርያታት ምፍራይ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ናብ ሙሉእ ባቡር ምፍራይ ንምእታው ምድላው እናተገበረ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም