ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈትሂ ማህዲ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ምክትል ኣካቢ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላውን ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምርግጋፅን ወሳኒ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቅዋም ሂብካ ምቕባል ዝተኸተለን ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረን ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ በሪ ባሕሪ ከምዝነበራ ብምዝኽኻር፤ እቲ በሪ ባሕሪ ዝሰኣነቶ ብሽርሒ ታሪኻዊ ፀላእታን ብሸለልትነት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ተጠቀምቲ በሪ ባሕሪ ዝገብሩ ሕግታት ምቕማጡ ሓቢሮም።
ሕቶ ኣፍ ደገ ባህሪ ኢትዮጵያ እውን ካብዞም ሕግታት ከምዝብገስ ብምግላፅ፤ እቲ ሕቶ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ እናረኸበ ምምፅኡ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ እንተኾይና ተወዳዳርን ፅሬት ዘለዎምን ፍርያታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ብዝተመጣጠነ ዋጋ ንምቕራብ ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም።
ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ መንግሥቲ ሓሊፉ ኣጀንዳ መላእ ኢትዮጵያውያን ኮይኑ እዩ ኢሎም።