ብዘገርም ብዝሃ መልክዑ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ሓደ እምነ ኩርናዕ ቱሪዝምና ኮይኑ ቀፂሉ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብዘገርም ብዝሃ መልክዑ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ሓደ እምነ ኩርናዕ ቱሪዝምና ኮይኑ ቀፂሉ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ብዘገርም ብዝሃ መልክዑ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ሓደ እምነ ኩርናዕ ቱሪዝምና ኮይኑ ቀፂሉ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፈላማይ መዓልቲ ዑደት ዞባ ባሌ ዘርኣየና ኣብ መንጎ ዘገርም ተፈጥሮን ዕቤት ስራሕ ልምዓትን ዘሎ መስተጋብር እዩ ኢሎም።
ብዘገርም ብዝሃ መልክዑ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ሓደ እምነ ኩርናዕ ቱሪዝምና ኮይኑ ቀፂሉ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
እዚ ዕቑር ዓቕሚ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ፓርክ ዝተሃነፀ ሎጅ ዲንሾ ኣብ ቀረባ እዋን እንትዛዘም ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ፀሪሖም።
ኣብ ቀረብኡ ኣብ ምህናፅ ዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ዝዛዘምን ሎጅ ሶፍኡመር፤ ቱሪዝም ቁልፊ መሪሕ ኢኮኖሚና ገይሩ ንዘቐመጦ ስትራቴጂክ ትልሚ 10 ዓመት ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገብር እዩ ኢሎም።
እቲ ሎጅ ኣብ ዋሻ ሶፍኡመር ፃንሒት ጎብነይቲ ዘዕብዩን መውሃቢ ኣገልግሎታት መዘናግዒ ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ዋሻ ሶፍኡመር ደገፍ ዝዳለወሉን እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።
ብመዳይ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ፕሮጀክት ምምሕያሽ መንገዲ ሮቤ-ጎሮ-ሶፍኡመር-ጊኒር ልዑል መፍረይቲ ዝኾኑ ዞባታት ምብራቕ ባሌን ባሌን ፍርያቶም ምስ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዘራኽብ እዩ ኢሎም።
እዚ መስመር ተበፃሕነትን ምትእስሳር ኢኮኖምን ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ከም ዋሻ ሶፍኡመርን ጎቦታት ባሌን ዝበሉ ዓበይቲ ስፍራታት መስሕብ ዝግበር ጉዕዞ ዘሳልጥ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ድርብ ኣስፋልት ምንፃፍ ኣብ ዘለዎ ብርኽ ዝበለ ደረጃ ዝተሃነፀ መንገዲ 29 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ከተማን ገጠርን ዘካትት ከምኡ እውን ካብ 12 ክሳብ 140 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም ሓሙሽተ ድልድላት ዝተሰርሕሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ናይቲ መዓልቲ ዑደትና ፕሮጀክት መቆፃፀሪ ውሕጅ ሩባ ወይብ ብምዕዛብ ዛዚምና ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ብዋሻ ሶፍኡመር ዝጎዓዝ ዋሕዚ እቲ ሩባ ብምቁፅፃር ዓመት ሙሉእ ናብቲ ዋሻ ዝግበር ጉዕዞ ንከየተኣጓጉል ንምግባር ከምኡ እውን ስነ ምህዳር እቲ ዋሻ ንምሕላው ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ኩሎም ስራሕቲ ቀፃልነት ንዘለዎ ልምዓት ዘለና ፅኑዕ ቅዋምን ተግባርን ዝገልፁ እዮም ክብሉ እውን ኣብ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።