ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሞያዊ ሓላፍነትና ብብቕዓት ክንዋፃእ ኢና - ኢዜአ ትግርኛ
ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሞያዊ ሓላፍነትና ብብቕዓት ክንዋፃእ ኢና

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሞያዊ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ከምዝዋፅኡ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ቃል ብምእታው ኣረጋጊፆም።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ"ብሔራዊ ረብሓን ቁመና ጂኦስትራቴጂን"ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘትዮም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ጋዜጠኛታት ብሄራዊ ረብሓ ምሕላውን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምጥንኻርን ኣብ ዘኽእሉ ርእሰ ጉዳያት ብዝበለፀ ክሰርሑ ኣለዎም።
ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ብልፅግና ሃገር ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ስራሕቲ ብምስራሕ ሞያዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ነባር ተረኽ ምቕያር ዘኽኣለ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ናይ ፅባሕ መስመር ኢትዮጵያ ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ብርክት ዝበለ ህዝብን ግዙፍ ኢኮኖምን ዘለዋ ሃገር እንተኾነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዘይብላ ብምሕባር፤ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባህሪ ንምርካብ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሞያዊ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ተደማፅነትን ፅልዋ ፈጣሪነትን ንምርግጋፅ ሰራሕተኛታት ኢዜኣ ሞያዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም።
ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ነጋሲ ኣምባዬ መዛተዪ ፅሑፍ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ብልፅግና ሃገር ንምርግጋፅ ነቲ ዘበን ብዝምጥን ብርኪ ሞያዊ ሓላፍነት ብኣግባቡ ምውፃእ ይግባእ።
ብሄራዊ ረብሓ ጉዳይ ህልውና፣ድሕንነትን ብልፅግናን ሃገር ምዃኑ ብምግላፅ፤ ብሄራዊ ረብሓን ጂኦስትራቴጂካዊ ቁመናን ኣጀንዳ ህዝብን ወለዶን ንምግባር እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ምንስርራእ ዘላን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናሳለጠትን ምዃና ዝገለፁ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ተፈራ በቀለ፤ ብሄራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ትፅቢት ዝግበር እዩ ኢሎም።
ሰራሕተኛታት ኢዜኣ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነፁ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንክዕወቱን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን እጃሞም ከምዝዋፅኡ ተዛሪቦም።
ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባርን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሞያዊ ሓላፍነቶም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ እውን ኣረጋጊፆም።