ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ኣብ ብሄራዊ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ኣብ ብሄራዊ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ተረኺቦም።
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ እንትበፅሑ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኬንያ ኣምባሳደር ኡቡሩ ዴኒስ፣ፀሓፊ ካቢኔ ሚኒስቴር ኬንያ አድን ዱአሌ፣ፀሓፊ ካቢኔ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኬንያ ጁሊየስ ኦጋምባ፣ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌን ዲፕሎማት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይሮብን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።




ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ናይሮቢ ብሄራዊ ስታዲየም እናተሳለጠ እንትኸውን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ተረኺቦም።



ኦዲንጋ ቀብሮም 9 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተወለድሉ ከባቢ ቦንዶ ከምዝፍፀም እቲ ዝወፀ መርሃ ግብሪ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም