ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ባህሊ ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናይ ምሕጋዝን መነባብሮኦም ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክቕፅል እዩ-ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ባህሊ ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናይ ምሕጋዝን መነባብሮኦም ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክቕፅል እዩ-ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ድሬደዋ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ባህሊ ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናይ ምሕጋዝን መነባብሮኦም ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባብታት ከምዝቕፅል ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚ ኣወዳድባ ትካላት ፌዴራል ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬደዋ ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዘህነፆም ኣባይቲ ንተጠቀምቲ ኣረኪቡ።
ኣብ ኣወዳድባ ትካላት ፌዴራል ፓርቲ ብልፅግና ኣመራርሓ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚ ከምኡ እውን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት መንግሥቲ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ዜጋታት ንክረጋገፅ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ።
ብፍላይ ድማ ካብ ክረምቲ ክሳብ ሓጋይ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሕድ ሕዳዊ ምትሕግጋዝ ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ማሕበራዊ ፀገማት እቲ ሕብረተሰብ እናፈትሑ እዮም ኢሎም።
እዞም ውፅኢታት እዚኦም ብምቕፃል ኩሉ ኢትዮጵያ ባህሊ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ከዕቢ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
እቶም ሎሚ መዓልቲ ንተጠቀምቲ ዝተረከቡ ኣብ ድሬደዋ ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዝተሃነፁ ኣባይቲ እውን ሂወት ቤተሰብ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣረጋውያንን ምምሕያሽ ዘኽእሉ እዮም ኢሎም።
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ባህሊ ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናይ ምሕጋዝን መነባብሮኦም ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክቕፅል እዩ ክብሉ እውን ኣረጋጊፆም።