ብሔራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ - ኢዜአ ትግርኛ
ብሔራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ

ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪሎ ሜትሮ ሪሒቑ ብኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ብሔራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ልዕሊ 2000 ስኴር ኪሎሜትሮ ስፍሓት ኣለዎ ።እቲ ፓርክ ኣብ ኢትዮጵያ ብብራኸኡ ካልኣይ ብርኪ ሒዙ ይርከብ ።ኣግራሞት ዝፈጥሩ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣውን ኣለዎ። እንስሳ ዘገዳም፣ ደኒታት ፣ሳዕርታት ምድሪ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ተኸሊ ብምሓዝ “ዝተፈላለየ ዓለም ኣብ ሓደ ፓርክ“ ተባሂሉ ንክፅዋዕ ዝኻለ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምኸን ኣብ ዞባ ባሌ ኣትዮም ኣብ ህንፀት ዝርከብ ሎጅ ዲንሾን ከባቢኡን ከምኡ እውን ንሳዕሪ ምድሪ ጌሴ ተመልኪቶም።