ትልሚ ጥፍኣት ፀረ ሰላም ብምዃን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምትሕብባር ህዝብን ሓይሊ ፀጥታን ተመኪቱ-መምርሒ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ወልድያ - ኢዜአ ትግርኛ
ትልሚ ጥፍኣት ፀረ ሰላም ብምዃን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምትሕብባር ህዝብን ሓይሊ ፀጥታን ተመኪቱ-መምርሒ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ወልድያ

ወልዲያ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ትልሚ ጥፍኣት ፀረ ሰላም ብምዃን ዝንቀሳቐስ ዘሎ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምትሕብባር ህዝብን ሓይሊ ፀጥታን ከምዝተመከተ መምርሒ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ወልድያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፅንፈኛ ጉጅለ ሰላም ህዝቢ ንክዛባዕን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ንክተኣጓጎሉን ዝፅዕር ሓይሊ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ጉጅለ ካብ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ልኡኽቶ ብምቕባል ብክሕደት ሃገርን ህዝብን ንምጉዳእ ዕላማ ሒዙ እናሰርሐ ዝርከብ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ዕላማ እዚ ፅንፈኛ ጉጅለ ብኣግባቡ ብምርዳእ ብምትሕብባር እቲ ህዝብን እቲ ሓይሊ ፀጥታን ስራሕ ምኽባር ሕግን ምፅናዕ ሰላምን ብዝተጠናኸረ መልክዑ እናቐፀለ እዩ።
ሓላፊ መምርሒ ፀጥታን ሰላምን ምምሕዳር ከተማ ወለድያ ኮማንደር ደርበው ኣዳነ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎን ከባቢኡን ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ትልሚ ጥፍኣት ፀረ ሰላም ብምዃን ዝንቀሳቐስ ዘሎ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምትሕብባር እቲ ህዝብን ሓይሊ ፀጥታን እናተመከተ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ዕላማ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ መቕተልትን ስርቅን ካብ ምፍፃም ብዝሓለፈ መናእሰይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንከይኸዱ፣ሓረስቶት ንከየፍርዩን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ንምትእጉጋልን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሰላም ህዝቢ ንምርግጋፅ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ግድን እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ብጠንካራ ስጉምቲ ሓይሊ ፀጥታን ምትሕብባር እቲ ህዝብን ስራሕ ምኽባር ሕጊ ምስላጡ ብምዝኽኻር፤ በዚ ድማ ኣብ ወልድያን ከባቢኡን ዘተኣማምን ሰላም ምህላዉ ተዛሪቦም።
ኣብ ወልድያን ከባቢኡን ዘሎ ሰላም ብዘላቕነት ንምቕፃል ምስ መናእሰይ፣ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖትን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተውፃእፅኡ ተወከልትን ብቐረባ እናሰራሕና ኢና እውን ኢሎም።
ሰላም ወልዲያን ከባቢኡን ንምፅናዕ ሓይልታት ፀጥታ ብዝተዋደደ መንገዲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ ነበርቲ እታ ከተማ እውን ብብሎክ ብምውዳብ ንሰላም ዘብዒ ምዃኖም ብተግባር ምርግጋፆም ገሊፆም።
ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ዝኾኑ ድንቁ ወልደሰንበትን ጀማል ኣህመድን፤ ስእነት ሰላም ንዝተፈላለዩ ዝተሓላለኹ ፀገማት ከምዘቃልዕ ስለዝረኣናዮ ንህንፀት ሰላም ዝኾነ ዓይነት ዋጋ ንምኽፋል ድሉዋት ኢና ኢሎም።
ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ፃዕሪ ሰላም መንግስቲ ብምንኣድ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ብመንገዲ ጥፍኣት ዝቐፅለ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።