ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዝነበረ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብዓወት ተዛዚሙ-እቲ ኮሚሽን

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018(ኢዜኣ) ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዝነበረ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብዓወት ምዝዛሙ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ከካይዶ ዝፀንሐ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ሰሜን ኣሜሪካ፣ካናዳ፣ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ፣ስዊድንን እንግሊዝን ዲያስፖራ ወገናት ዝተሳተፍሉ መድረኽ ተሳሊጡ።
እቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ መድረኽ ከምኡ እውን ብበይነ መረብ ሓሳቦም ከምዘካፈሉን ኣጀንድኦም ከምዘቕረቡን ሓቢሮም።
ኣጀንዳ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ኣብቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝሳተፉ ተወከልቶም ምምራፆም እውን ፀሪሖም።
ስለዝኾነ እውን እቶም መድረኻት ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን መሰሎም ተጠቒሞም ብንቕሓት ዝተሳተፍሎም ምዃኖም ኣረዲኦም።
ብመዳይ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምምራፅ ተወከልትን ዝተረፈ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ነቲ ከይዲ ምችው ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ቀረባ እዋን ንምጅማር ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም