ብዶብ ተሳጋሪ ልምዓት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ንምርግጋፅ ክስራሕ እዩ-ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018(ኢዜኣ) በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ዶብ ተሳጋሪ ልምዓት ብምጥንኻር ዞባዊ ምትእስሳር ጋህዲ ንክኸውን ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እናተሳለጠ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ትካል ገንዘብ ዓለም(ኣይ ኤም ኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ሎሚ መዓልቲ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ።
ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ መበል 26 ኣኼባ ኢንሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተኻየደ እንትኸውን ኣብ ልምዓት ተቛራፂ ዶብ ዝጠመተ ዘተ ብምግባር ተሳተፍቲ እቲ ኢንሼቲቭ ዶብ ተሳጋሪ ፍኖተ ካርታ ኣፅዲቖም።
እቲ ፍኖተ ካርታ ተግባራዊ ምግባር ዘኽእል ኣሰራርሓታት ፋይናንስ እውን ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ኮይኖም።
ምክትል ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) መሐመድ ኣብዲ ዋሬ፤ ኢጋድ ዶብ ተሳጋሪ ልምዓት መሰረት ዞባዊ ጥንካረ፣ዕቤት ኢኮኖምን ምትእስሳርን ንክኸውን ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ሚኒስትራት ገንዘብ ኢትዮጵያ፣ጅቡቲን ሶማሊያን ሓዊሱ ምስ ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልቲኣዊ ዘተታት ገይሮም።
እቶም ዘተታት፤ ዞባዊ ምትእስሳር ኢጋድን ሽቶታት ልምዓትን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠመተ ዝገበሩ ምዃኖም ኢዜኣ ካብ ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ዓመታዊ ኣኼባ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ(ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ክሳብ 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ክፀንሕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም