ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ - ኢዜአ ትግርኛ
ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 6/2018 (ኢዜኣ) ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፋለዩ ዓውድታት ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ብምስፋሕ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዝተሾሙ ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ደብዳበ ሹመት ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ምቕባሎም ዝዝከር እዩ።
ደብዳበ ሹመቶም ካብ ዘቕረቡ ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ ይርከብዎም።
ኣምባሳደር ኒኮላስ ሲማርድ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን ካናዳን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ፣ኢኮኖሚያውን ህዝብ ንህዝብን ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰፍሐን እናዓበየን ምምፅኡ ብምግላፅ፤ ካናዳ ንኢትዮጵያ ካብቶም ዋና ዋና መሓዙት ልምዓት እታ ሓንቲ እያ ኢሎም።
ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኤሮስፔስ፣መዓድን፣ትምህርትን ካልኦት ዓውድታትን ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ እውን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያን ካናዳን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ተቐራሪበን እናሰርሓ ምዃነን ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነተን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉ ኣረዲኦም።