ኣብ ኢትዮጵያ ሞያ ጋዜጠኝነት ብሄራዊ ረብሓ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ሓባራዊ ተረኽን ብልፅግና ሃገርን ማእኸል ክገብር ኣለዎ-ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት




ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ሞያ ጋዜጠኝነት ብሄራዊ ረብሓ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ሓባራዊ ተረኽን ብልፅግና ሃገርን ማእኸል ብዝገበረ መልክዑ ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም።


መርሃ ግብሪ መጀመሪ ማእኸል ልህቀት ሚድያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲኣ ኣበባ ተሳሊጡ።


እቲ ማእኸል ልህቀት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ስነ ምግባር፣ሕግታትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ጋዜጠኝነት ስልጠና ከምዝህብ ተገሊፁ።


ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብዚ እዋን ከምዝበል፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጋዜጠኝነት ንኢትዮጵያ ክመስል ኣለዎ።


ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ውልቃውን ህዝባውን ወይ ድማ ሃይማኖታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ኣፈላላይ ክህልዎም ኣይግባእን ኢሎም።


ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ኣብ ዝኾነ መራኸቢ ሓፋሽ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ክርስዖ ዘይግባእ ጉዳይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።


መራኸብቲ ሓፋሽ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ፣ምትሕብባርን ሓድነትን ህዝቢ ዘርእዩ ክኾኑ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።


ሓባራዊ ተረኽ ምህናፅን ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ኣለዋ ዝብል ኣተሓሳስባ ብልፅግናን ኣብ ግምት ብምእታው ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።


ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኩለ መድያዊ ዕቤት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓን ዘይትካእ እጃም ኣለዎም ኢሎም።


እቲ ማእኸል ልህቀት ብሄራዊ ረብሓ ማእኸል ዝገበረ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኝነትን ጠንካራ ጋዜጠኛን ንምፍራይ ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም።


ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ሓዊሱ ብመዓርግ ሚኒስትር ሓላፊት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ እናታለም መለሰ፣ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ  ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር)፣ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር)፣ሓለፍቲ ትካላት ሚድያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም