መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018(ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ማእኸል ልህቀት ሚድያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲኣ ኣበባ ተሳሊጡ።
እቲ ማእኸል ልህቀት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ስነ ምግባር፣ሕግታትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ጋዜጠኝነት ስልጠና ከምዝህብ ተገሊፁ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ትኩስን እዋናውን ሓበሬታታት ብምቕራብ ኣብ ህንፀት ሰላምን ለውጢ ኣመለኻኽታ ሕብረተሰብን ዘይትካእ እጃም ኣለዎም።
መንግሥቲ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ብምምሕያሽ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዓይነትን ቁፅርን ምስፋሕ ከምዝኸኣለ እውን ሓቢሮም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።
ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ጋዜጠኝነት በረኸት ሒዙ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ይኹን እምበር ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዝጠሓሱ ኣካላት ግቡእ ዘይኮነ ትሕዝቶ ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከቡ ኣረዲኦም።
ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ዝተዛብዐ ሓበሬታን ፅልእን ብምዝርጋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ከብፅሕ ይኽእል እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ሙያዊ ስነ ምግባር ብዝሓለወ መልክዑ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
እቲ ማእኸል ልህቀት ሚድያ እውን ስነ ምግባር ሞያ ጋዜጠኝነት ብምምሕያሽ ንኢትዮጵያ ማእኸል ዝገበረ ስርዓት ሚድያ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።