ንድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘላቒ ማዕቐፍ ምምሕዳር ዕዳ ምዝርጋሕ ይግባእ

 




ኣዲስ
ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018 (ኢዜኣ) ንድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ፍትሓዊ፣ግልፅን ጠለብ ልምዓት ኣብ ግምት ዘእተወን ዘላቒ ማዕቐፍ ምምሕዳር ዕዳ ክዝርጋሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም(IMF)ን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ።

ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ እውን ዩኒቨርሲቲ ፕሪኒስተን ዘዳለዎ መበል 8ይ ኮንፈረንስ ምርምርን መፅናዕትን ዕዳ ኩነታት ተመራፂ ልቓሕ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ማዕቐፋት ምምሕዳር ዕዳ ዓለም ብዝበለፀ ግልፅነትን ፍትሓውነትን ክህልዎም ይግባእ።

ተለቃሕቲ ካብ ኣለቃሕቲ ኣብ ዝረኽብዎ ተመራፂ ኩነታት ኣከፋፍላ ዕዳ ግልፂ ረቛሒ ብዘይምቕማጡ ናይ ቀረባ እዋን ድርድራት ዕዳ ክዘናግዑ ከምዝገበረን ፀገማት ምእማት ዘለውዎ ከምዝኾነን ኣረዲኦም።

ብኣንፃር ተለቃሒት ሃገር እንትረአ ድማ ርግፀኛ ምዃን ስለዘይከኣል ዝግበሩ ድርድራት ብዝበለፀ ከምዘተሓላልኾ ብምግላፅ፤ ቀረብ ውሕስና ገንዘብ ከምዘዘንግዕ፣ኣብ መወዳእታ እውን ሸኽሚ እቲ ዕዳ ብዘይተመጣጠነ ኩነታት ኣብ ልዕሊ እታ ተለቃሒት ሃገር ብምፅዓን ናብ ክልቲኣዊ ኣለቃሕቲ ንክዘዋወር ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም።

እቲ ተመራፂ ኩነታት ልቓሕ ብግልፂ ብዝፍለጡን ዓለም ለኻዊ መለክዕታት ብዝተቐመጥሉን ኩነታት ዝካየዱ እንተኾይኖም ቅልጡፍ ስምምዓት ብምግባር ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ምትእምማን ከምዘምፅእ ምግላፆም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም