ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነዚ ዘበን ዝምጥንን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ኣጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነዚ ዘበን ዝምጥንን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2018 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ትካላዊ ኣሰራርሕኡ ብምምዕባል ነዚ ዘበን ዝምጥንን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ተግባራዊ ምግባር ምጅማሩ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘማዕበሎ ዲጂታል ምምሕዳር ሰነድን ማህደርን ስርዓት ወረቐት ኣልቦ ኣሰራርሓን (record management and smart paperless office) ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ስርዓት ወረቐት ኣልቦ ኣሰራርሓን ዲጂታል ልውውጥን ኣተሓሕዛን ሰነድን ጠመተ ዝገበረ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ንቀዳምነቱ ዝምጥን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ቅልጡፍ ስርዓት ኣሰራርሓ ኣይነበሮን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣካል እቲ ትካላዊ ሪፎርም ዝኾነ ትግበራ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምጅማሩ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዲጂታል ስርዓት ምምዕባሉ ሓቢሮም።
እቲ ስርዓት ምምሕዳር ሰነድን ማህደርን ኣብቲ ሚኒስቴር ካብ ኣተሓሕዛ ማህደር ክሳብ ልውውጥ ሓበሬታ ሚሲዮናት ዝነበረ ኣሰራርሓ ወረቐት ብምትራፍ ቅልጡፍ ስርዓት ኣገልግሎት ምፍጣር ዘኽእል እዩ ኢሎም።
እቲ ስልጠና እውን ኣብ ምምሕዳር ዲጂታል ሰነድ፣ ውሽጣውን ደጋውን ርክብን ልውውጥ ደብዳበን ከምኡ እውን ኣብ ኣወሃህባ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ሓባራዊ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ግዜን ወፃእን ከምዝቑጥብ እውን ኣረዲኦም።