ኢትዮጵያ ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ቴክኖሎጂ ኣቕሪባ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ቴክኖሎጂ ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኣብ ዱባይ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ መድረኽ ቴክኖሎጂ ኣቕሪባ።
መበል 45 ዓውደ ርእይ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ገልፍ (ጂአይቴክስ) ከተማ ንግዲ ዓለም ኣብ ዝኾነት ዱባይ ይካየድ ኣሎ።
እዚ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፣ትካላት መንግስቲ፣ጀመርቲ ፈጠርቲ ስራሕ፣ሰብ ሃፍቲ፣ ኢኖቬተራትን ተመራመርትን ኣብ ሓደ መድረኽ ዘራኸበ መድረኽ ጂአይቴክስ 2025፤ ብፍላይ ኣብ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ(ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ)ን ድሕንነት ሳይበርን ትኹረት ዝገበሩ ዘተታት እናተገበርሉ እዩ ዝርከብ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠን ትኹረቱ ኣብ ምትሕብባር መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ዝገበረን ዘተ ኢትዮጵያ እውን ተሞኩሮኣ ኣካፊላ።
ምስ ካብ ግሪክ፣ኦማንን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ዝተሳተፍሉ ተወከልቲ እቲ ዓውዲ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዳንኤል ጉታ፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝገበረቶም ፃዕርታት ኣረዲኦም።
ኣይተ ዳንኤል ኣብ መብራህሪህኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብዝብል ዲጂታል ዓውዲ እታ ሃገር ንምዕባይ ሰፋሕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከምዝተሳለጡ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 53 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ዕቤት እቲ ዓውዲ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዲጂታል ዓውዲ ንክኾኑ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ሓቢሮም።
ዲጂታል ዓውዲ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናዓበየ ምዃኑ ስዒቡ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ሓደሽቲ ፖሊሲታትን ኣሰራርሓታን ብቕልጡፍ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ሳይበር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ዝሰርሕሉ ህብር ዝተብሃለ ኣሰራርሓ ምዝርግሑ እውን ገሊፆም።
ድሕሪ እቲ መድረኽ ምስ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(Pulse Of Africa) ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዳንኤል ጉታ፤ ኢትዮጵያ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መድረኽ ጂአይቴክስ 2025 ምስታፋ እታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ቴክኖሎጂ፣ድሕንነት ሳይበር፣ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ(ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ)፣ስማርት ሲቲን ካልኦት ዓውድታትን ትሰርሖ ዘላ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምዕባይ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ካብ 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዓውደ ርእይ ብፍላይ ድማ ምስ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ(ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተኣሳሰሩ ፈጠራታትን ኣገልግሎታትን ብሰፊሑ እናተላለዩ ከምዝርከቡ ሓበሬታ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(Pulse Of Africa) ይሕብር።