ኢትዮጵያ ብመዳይ ምስፋሕ ሓምለዋይ ትራንስፖርት ካብ ኣፍሪካ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣብ ምውሳእ ትርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብመዳይ ምስፋሕ ሓምለዋይ ትራንስፖርት ካብ ኣፍሪካ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣብ ምውሳእ ትርከብ
አዲስ አበባ/ጥቅምት /5/2018 (ኢዜአ):-ኢትዮጵያ ንተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ተጠቒማ ሓምለዋይ ትራንስፖርት ኣብ ምስፍሕፋሕ ካብ ኣፍሪካ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣብ ምውሳእ ትርከብ ክብሉ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን አለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።
"ኣብ ኣፍሪካ ኩለመዳያዊን ዘላቐን ስርዓት ትራንስፖርት ምርግጋፅ " ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ዝጀመረ ቅነ አፍሪካ ኢ-ሞቢሊቲ 2025 መኸፈቲ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ፡፡
ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ሎጂስቲክስን ማሪታይምን ዘበኑ ዝጠልቦ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡
ጉባኤ ማሪታይም ኣፍሪካ ሚኒስትራት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ሃገራት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ሓለፍቲ ማሪታይም ኣብ ዝተረኹቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለዎ÷ ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ማሪታይም ብቑዕ፣ ተወዳዳሪን ግዚኡ ዝጠልቦን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ስልጠና ብቑዓት ባሕረኛታትን ካልኦት ሰብ ሞያን ንምፍራይ እናሰርሐት ከምትርከብ ኣገንዚቦም፡፡
እቲ ጉባኤ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዘለወን ዓሚቕ ዓቕሚ ብምጥቃም ብሓባር ንኽሰርሓ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም እቶም ሚኒስትር፡፡
ኣብ ኣፍሪካ ድሕንነቱ ዝተረጋገፀን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ንመሃብ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስን ማሪታይምን ብምትሕብባርን ብምውዳድን ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም፡፡
እቲ ጉባኤ ሃገራት ኣፍሪካ ተጠቃምነት ብሉ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ኣብ ዘኸእሉ ጉዳያት ኣንፈት ከምዝቐመጥ ተፀሪሑ፡፡