ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ዘተኣኻኽቡ ኣጀንዳታት ብታሪኽ ዝዝከሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ዘተኣኻኽቡ ኣጀንዳታት ብታሪኽ ዝዝከሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ዘተኣኻኽቡ ኣጀንዳታት ብታሪኽ ዝዝከሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 27 መስከረም 2018 ዓ/ም ተመሪቑ ብዕሊ ስራሕ ንዝጀመረ ፐልስ ኦፍ አልኣፍሪካ(Pulse of Africa - POA) ጎብንዮም።
ስራሕቲ ለውጢ ኢዜኣ እውን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት፤ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሎሚ በዶ፣ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ እቲ ቤት ምኽሪ ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳይ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙአዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ተረኺቦም።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ዘተኣኻኽቡ ኣጀንዳታት ብታሪኽ ዝዝከሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ።
ኣፍሪካ ብዘለዋ ዓቕሚ፣ጥበብን ፍልጠትን ልክዕ ብብርኪ ዓለም ከምዘይተፋለጠት ብምግላፅ፤ ዕቑር ዓቕሚ ኣፍሪካ ዘርኢ ስራሕ ሚድያ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ መዳይ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ቴክኖሎጂታት ተዓጢቑ ናብ ስራሕ ምእታዉ ዓብይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ትኽክለኛ ምስሊ ኣፍሪካ ብምልላይ ንኣፍሪካ ድምፂ ንምዃን ቀንዲ መንገዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ስራሕቲ ተበፃሒ ዝገብር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ርኡይ ፋይዳ ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ጋህዲ ንምግባር ጠንካራ ሚድያ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ መዳይ ምምስራት ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብራህሪሆም።
ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ዝሰነቖም ኣህጉራዊ ሽቶታት ንክዕወቱ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም።