ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ደብዳበ ሹመት ሓደሽቲ ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2018(ኢዜኣ) ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ደብዳበ ሹመት ሓደሽቲ ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ሎሚ መዓልቲ ተቐቢሎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ደብዳበ ሹመት ሓደሽቲ ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተቐቢሎም።




ንፕሬዚዳንት ታዬ ደብዳበ ሹመቶም ካብ ዘቕረቡ ኣምባሳደር ሞሪታኒያ ኢል ሀውሴን ኦልድ ናጊ፣ ኣምባሳደር ካዛኪስታን ዣልጋስ ኣዲልባየቭ፣ኣምባሳደር ቫቲካን ብሬን ኦዲጊግዊ፣ኣምባሳደር ባንግላዲሽ ኤር ቫይስ ማርሻል ሲትዋት ናዬምን ኣምባሳደር ሊግ ዓረብ መሐመድ ኦማር ኣል ማርሆን ይርከብዎም።



ብተወሳኺ እውን ኣምባሳደር ኢንዶኔዥያ ፋይዝል ቸሪይ ሲዳርት፣ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ፣ኣምባሳደር ሲውዘርላንድ ሪካረድ ቻንዳ፣ኣምባሳደር ግብፂ ኦባይዳ ኢል ዳንዳራውይ፣ኣምባሳደር ሀንጋሪ ኣቲላ ቶዝ፣ ኣምባሳደር ሳን ማሪኖ ፔሮ ስካርፔሊኒ፣ኣምባሳደር ቱሪክሜንስታን መካን ኢሻነጉሊየብ፣ ኣምባሳደር ሰርቢያ ዳቮር ትርኩልጃን ኣምባሳደር ስዊድን ማኙስ ሌናርትሶን ደብዳበ ሹመቶም ኣቕሪቦም።



 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም