ፈንድ ኩዌት ንዓበይቲ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝድግፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2018(ኢዜኣ) ፈንድ ኩዌት ንዓበይቲ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ደገፍ ፋይናንስ ንምግባር ቆራፅ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።

ኣብቲ ዘተ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ፣ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር)፣ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ተክለወልድ ኣጥናፉ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ተረኺቦም።


 

ሚኒስትር ኣህመድ ሽዴ ጎና ጎኒ እቲ ዘተ ምስ ተጠባባቒ ዳይሬክተር ፈንድ ኩዌት ጀነራል ዋሊድ ኣል-ባሃር ዘትዮም።

እቲ ዘተ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ፈንድ ኩዌትን ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ኣብቲ ዘተ፤ ኣብ ፃዕርታት ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖምን ቁልፊ ዓውድታት ልምዓትን ኣመልኪቶም ገልፃ ገይሮም።

ከይዲ ምምጥጣን ዕዳ፣ልምዓት ዓውዲ ውልቀን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርትን ብመርኣያነት ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብዞም ዓውድታት ደገፍ እቲ ፈንድ ቁልፊ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ተጠባባቒ ዳይሬክተር ፈንድ ኩዌት ጀነራል ዋሊድ ኣል-ባሃር ብግደኦም፤ ዓወታት ራኢን ጅማሮ ኣጀንዳ ሪፎርምን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢዶም።

ፈንድ ኩዌት ልምዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ቁልፊ ዓውድታትን ንምድጋፍ ቆራፅ እዩ ኢሎም።

ክልቲኦም ወገናት ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዝተስማዕምዑ እንትኸውን ፈንድ ኩዌት ንኢትዮጵያ ስትራቴጂካውን ልዑልን ኣወንታዊ ለውጢ ንዘምፅኡ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዝገብሮ ደገፍ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም