ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ንኣምባሳደር ለገሰ ቱሉ መምርሒ ስራሕ ሂቦሞም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ንኣምባሳደር ለገሰ ቱሉ መምርሒ ስራሕ ሂቦሞም
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ሪፐብሊክ ጂቡቲ በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኮይኖም ንዝተሾሙ ኣምባሳደር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) መምርሒ ስራሕ ሂቦሞም።
ኣምባሳደር ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ኮይኖም ተሸይሞም።
እቶም ኣምባሳደር ካብ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ደብዳበ ሹመቶም ብምቕባል ኣብ ቅድሚ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቴዎድሮስ ምህረት ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ንኣምባሳደር ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኩለ መዳያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ብዝበለፀ ምጥንኻር ዘኽእሉ መምርሒ ስራሕ ምሃቦም ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬን ተረኺቦም።
ኣምባሳደር ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ቅድሚ ሕዚ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኮይኖም ምግልጋሎም ዝዝከር እዩ።