ባንኪ ዓለም ንተግባራውነት ትልምታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ባንኪ ዓለም ንተግባራውነት ትልምታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2018(ኢዜኣ) ባንኪ ዓለም ንተግባራውነት ትልምታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣፍሊጡ።
ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኣብ ባንኪ ዓለም ምክትል ፕሬዚዳንት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ንዲያሜ ዲዮፕ ውፅኢታዊ ዘተ ገይሩ።
ኣብቲ ዘተ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፣ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ተክለወልድ ኣጥናፉ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ተረኺቦም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ከይዲ ፕሮጀክትታትን ንቐፃሊ ኣብ ዝህልዉ ዋና ዋና ጉዳያት ምትሕብባርን ኣመልኪቶም ዘትዮም።
ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ባንኪ ዓለም ኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዘለዎ ወሳኒ ኣስተዋፅኦ ብምግላፅ ንዝተገበረን ኣብ ቀፃሊ እውን ንዝግበርን ደገፍ ቴክኒክን ገንዘብን ኣመስጊኖም።
ኣብ ሰብ ተኮርን ቅነሳ ድኽነትን ዝሳለጡ ዘለዉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ፣ኣብ ዓውድታ መፍረያይነት ግብርና፣ኢነርጂ፣ሰብኣዊ ልምዓት ካፒታልን መሰረተ ልምዓትን ልዑል ደገፍ ከምዘድሊ እውን ኣረዲኦም።
ንዲያሜ ዲዮፕ ብግደኦም፤ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንልምዓት ዘርእዮ ዘሎ ቆራፅ ኣመራርሓን ሓፈሻዊ ከይድን ንኢዶም።
ብቆራፅነት መንግስቲ እውን ኩለ መዳያዊ መመሓየሺ ፕሮግራም ኣብ ዝጀመረ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ወሰንቲ ዝኾኑ ሽቶታት ማክሮ ኢኮኖሚ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ባንኪ ዓለም ትልምታት ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።