ልምዓት ክእለት ሃገራውን ኣህጉራውን ሽቶታት ንምዕዋት ዓብይ ዓቕሚ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል




ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምት 4/2018 (ኢዜኣ) ልምዓት ክእለት ሃገራውን ኣህጉራውን ሽቶታት ንምዕዋት ዓብይ ዓቕሚ ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።


መበል 2ይ ቅነ ክእለት ኣፍሪካ ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።


ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ አሊ ዩሱፍ፣ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተዋፈሩ ትካላትን ተረኺቦም።


ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ክእለታት ንዕዉትነት ሃገራዊ ሽቶታትን ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ልምዓት 2063ን ቀንዲ መንቀሳቐሲ ሓይሊ እዮም።


ኢትዮጵያ ንልምዓት ክእለት ብዝሃበቶ ትኹረት ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአት እያ ኢለን።


ክእለት መሪሕ ስጉምትታት ፖሊሲ መናእሰይ ካብ ደለይቲ ስራሕ ናብ ፈጠርቲ ስራሕ ንክሰጋገሩ ብምግባር ባህሊ ፈጠራ ስራሕ ብንቕሓት እናላለየ ከምዝኾነ ሓቢረን።


ተመረቕቲ ናይ ባዕሎም ስራሕ ንክጅምሩን ዕቤት ንከምፅኡን ዘድልዮም ስልጠና፣ምኽርን ደገፍ ገንዘብን እናመቻቸወ ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።


ኣብ መንጎ ትካላት ስልጠናን ኢንዱስትሪታትን ዘሎ ምትሕብባር ናይ ምጥንኻር ስራሕ እናተሳለጡ እዮም ኢለን።


ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ አሊ ዩሱፍ ብግደኦም፤ ዓቕሚ ህዝብና ናብ ውፅኢታዊ፣ ኣሳታፍን ዓለም ለኸ ተወዳዳርን ዝኾነ ሓይሊ ስራሕ ክንቕይሮ ኣለና ኢሎም።


ክእለት ማእኸል ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።


ኣባል ሃገራት ሃገራዊ ለውጥታት ምስ ኣህጉራዊ ድሌታት ንምጥዕዓም ብሓባር ክሰርሓ ከምዘለወን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም