ውሳነታት መበል 49 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 49 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
1.  እቲ ቤት ምኽሪ ቀዳምነት ዝዝተየ ኣብ ደንቢ መጣየሺ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ እዩ።
እቲ ኮሚሽን ሃገርና ቴክኖሎጂ ኒውክለር ንሰላማዊ መንገዲ ምስ ዓለም ለኸ ማዕቐፋት ብምጥዕዓም ኣብ ዓውድታት ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ልምዓት ኢንዱስትሪ፣ውሕስና ምግቢ፣ኣገልግሎት ጥዕና፣ሳይንስን ምርምርን ንምጥቃም ትገብሮ ፃዕሪ ናይ ምምራሕን ምትሕብባርን ሓላፍነት ንክህልዎ ተገይሩ እቲ ደንቢ ተዳሊዉ ቀሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እቲ ደንቢ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
2.  ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ንዝህቦም ኣገልግሎታት ዝኽፈል ክፍሊት ኣገልግሎት ንምውሳን ኣብ ዝወፀ ደንቢ እዩ ዘትዩ። እቲ ትካል ዝህቦም ኣገልግሎታት ምርምር፣ስግግር ቴክኖሎጂ፣ተግባር ተኮር ስልጠናን ምምኻርን ከምኡ እውን ስፔሻላይዝድ ላብራቶሪ ብዝተመጣጠነ ዋጋ ንሕብረተሰብ ብምቕራብ ወፃኢኡ ብሙሉእ ሸፊኑ ውሽጣዊ ኣታዊኡ ምዕባይ ንክኽእል ደንቢ ክፍሊት ኣገልግሎት ተዳሊዉ ቀሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እቲ ደንቢ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
3.  ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ቤት ፅሕፈት ፈንድ ምላሽ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንምጥያሽን እቲ ዝእከብ ኣታዊ ፈንድ ንምውሳንን ኣብ ዝወፀ ደንቢ እዩ ዘትዩ። ቤት ፅሕፈት ፈንድ ምላሽ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1386/2017 ዝተጣየሸ ፈንድ ምላሽ ስግኣት

ሓደጋ ንምምሕዳር ዝተጣየሽ እንትኸውን መጠን እቲ ዝእከብ ፈንድ ኣታዊ ምውሳን ንክከኣል እውን እቲ ደንቢ ተዳሊዉ ቀሪቡ።  እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እቲ ደንቢ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም