ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ መርኣያ ብልፅግና ዝኾነት ኣፍሪካዊት ሃገር ናይ ምህናፅ ዓቕሚ ዝጥንክረሉ ኣርማ ጉዕዞ ምንስርራእ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2018(ኢዜኣ) ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ ፈተናታት ብፅንዓት ብምስጋር መርኣያ ብልፅግና ዝኾነት ኣፍሪካዊት ሃገር ናይ ምህናፅ ዓቕሚ ዝጥንክረሉ ኣርማ ጉዕዞ ምንስርራእ ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
መበል 18 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቅ ዓላማ“ሰንደቅ ዓላማና ንልዑል ዘበነ ብስራት ኢትዮጵያ፣ንልኣላዊነትናን ሕዳሰ ኢትዮጵያን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤት ምኽሪ ተኸቢሩ።




ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን፤ ብመሰረት ሕገ መንግስትን ድንጋገ ኣዋጅ ሰንደቅ ዓላማን መዓልቲ ሰንደቅ ዓላማ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ ሰኑይ በቢዓመቱ ከምዝኽበር ሓቢሮም።
ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ መግለፂ ብዝሃነት፣ማዕርነትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ዜጋታት እዩ ኢሎም።
መዓልቲ ሰንደቅ ዓላማ እውን ንሰንደቅ ዓላማና ክንህቦ ዝግበኣና ክብሪ እንሕድሰሉ፣ቃል ኪዳንና እነፅነዐሉን ብሄራዊ ሓርበኝነትና እንቕስቅሰሉን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ንመዓልቲ ሰንደቅ ዓላማ ዝተውሃቦ ክብሪ ናይ ሎሚ ስራሕ፣ናይ ፅባሕ ሕልምን ትልምን ብግልፂ ዘርኢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ እውን ውሽጣውን ደጋውን ፀላእቲ ክሰብርዎ ዘይኽእሉ ድፋዕ ሕብረ ብሄራው ሓድነትን ልኣላዊነትን ከምዝኾነ ኣረዲኦም። 
ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ ፈተናታት ብፅንዓት ብምስጋር መርኣያ ብልፅግና ዝኾነር ኣፍሪካዊት ሃገር ናይ ምህናፅ ዓቕሚ ዝጥንክረሉን ዓለም ለኸ ፅልዋ ፈጣሪነት ዝረኣየሉን ኣርማ ጉዕዞ ምንስርራእ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። 
ኣብ ኣከባብራ መዓልቲ ሰንደቅ ዓላማ ዝተዓደሙ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እውን፤ ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ ቀዳሞት ኣያታት ዝተኣመኑሉ እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ እውን ንመፃኢ ወለዶ ዘረክቦን ድሙቕ ኣርማ ከምዝኾነ ፀሪሖም።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም