መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያውያን ናይ ፅባሕ ተስፍኦም ዘፅንዕሉ እዩ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2018 (ኢዜቅ) መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያውያን ንፍቕርን ሓድነትን ሃገሮም ዝሕድስሉ ናይ ፅባሕ ተስፍኦም ዘፅንዕሉ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።
መበል 18 ዓመት መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ“ሰንደቕ ዓላማና ንልዑል ዘበነ ብስራት ኢትዮጵያ፣ንልኣላዊነትናን ሕዳሰ ኢትዮጵያን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤት ምኽሪ ተኸቢሩ።




ኣብቲ ስነ ስርዓት፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፣ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤር ፍርዲ ፌዴራል ቴዎድሮስ ምህረት፣ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ሎሚ በዶ፣ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሐመድ፣ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል፣ኣባላት ክልቲኦም ቤት ምኽርን ሓርበኛታትን ተረኺቦም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዞባዊ ሓበራዊ ተረባሕነትን ምትሕብባርን መሰረት ዝገበረ መሰልን ምርካብን ምጥቃም ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሰለማውን ዲፕሎማስያውን ብዝኾነ መንገዲ ከምኡ እውን ብሂብካ ምቕባል ናይ ምኽባር ስራሕ ክቕፅል እዩ።
ሰንደቕ ዓላማ ማህተም ብሄራዊ አርማ ኢትዮጵያን መግለፂ ሉዓላዊነትን እዩ ኢሎም። 
በቢዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እውን ኢትዮጵያውያን ንፍቕሪ ሃገሮምን ሓድነቶምን ዘሕድስሉ ናይ ፅባሕ ተስፋኦም ዘፅንዕሉ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳንት፤ ሎሚ ዓመት ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ፅባሕ ምዝዛም ዓቢይ ግድብ ሕዳሰ ምኽባሩ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም፡፡
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ ክብርን ሞጎስን ኣብ ዝረኸበትሉ፣ኣብ መፍረያይነት ሕርሻን ሰፋሕቲ ልምዓትን ዘኹርዕ ክብሪ ሰንደቕ ዓላማ ዘጉልሁ ዓወታት ዝተመዝገብሉ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ህንፀቶም ዝተጀመሩ ፋብሪካታት መዳበሪያን ጋዝ ተፈጥሮን እውን ዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ብምቅልጣፍ ጉዕዞ ብራኸ ሃገር ዘረጋግፁ ምዃኖም ተዛሪቦም።
ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነትን ምትሕብባርን እቲ ዞባ መሰረት ዝገበረ ፍትሓዊ ኣፍ ደገ በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቃምን ምርካብን መሰልና ብሰለማዊ፣ዲፕሎማሲያውን ብሂብካ ምቕባልን መንገዲ ምኽባርና ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ሰላምን ልኣላዊ ድሕንነትን ሃገር ብፅንዓት እናሓለዉ ንዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሓልታት ፀጥታ ክልልን እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ናይ ሎሚ ዘበን “ሰንደቕ ዕላማና ንልዑል ዘበነ ብስራት ኢትዮጵያ፣ንልኣላዊነትናን ሕዳሰ ኢትዮጵያን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ እውን ናይ ሎሚ ዓወትን ናይ ቀፃሊ ሕልምን ዝሕድስ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም