ዓወታትና ልዕልና ሰንደቕና ዝውስኹ እዮም-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓወታትና ልዕልና ሰንደቕና ዝውስኹ እዮም-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2018 (ኢዜኣ) ዓወታትና ልዕልና ሰንደቕና ዝውስኹ እዮም ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ዓወታትና ልዕልና ሰንደቕና ዝውስኹ እዮም ኢሉ።
ሙሉእ መልእኽቲ እቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፤
ዓወታትና ልዕልና ሰንደቕና ዝውስኹ እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ለውጢ ዓወታት እናመዝገበት ዝምጥና ልዕልና እናሓዘት እያ ትርከብ።
ንዘበናት ፍልፍል ያታን ነስሓን ምስቁንቋንን ዝነበረ ኣባይ ብምግራሕ ፍልፍል ሓይልን ብርሃንን ገይራ እያ።
ኣብ ቃላይ ንጋት ኣብ ሉኣላዊነት ምግቢ ዕዙዝ ግደ ዝፃወት ፍርያት ዓሳ ክትረክብ ክኢላ እያ፤ ሓደሽቲ መስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ደሴታትን ከተማታትን ፈጢራ እያ።
ተረኽ ሕራነ ኣባይ ናብ ዓወትን ብስራት ሰዓራይነትን ቀይራ እያ።
ተወሰኽቲ ፍልፍላት ሓይሊ ካብ ማይ ክሳብ ሃፋ፣ካብ ብርሃን ፀሓይ ክሳብ ሓይሊ ኒውክሌየርን ንፋስን እናሃነፀት እያ ትርከብ።
እዚኣቶም ኩሎም ዓወታት ብራኸን መርኣያነትን እታ ሰንደቓ ዓላማ ዘጉልሁ እዮም።
ኢትዮጵያ ካብ ገፀ ምድሪ ብተወሳኺ ኣብ ከርሰ ምድሪ ዘለዉ ሃፍትታታ ናብ ምጥቃም ተሰጋጊራ እያ።
ኣብ ምውፃእ ጋዝ ተፈጥሮ ዝተርኣየ ዓወት ንምዕባይ፣ ኣብ ነዳዲ ዘይቲ እውን ንምድጋም ዓበይቲ ፕሮጅክትታት ጀሚራ እያ።
ውፅኢታውነት ዓውዲ ግብርና ንምዕባይ ማዳበሪያ ብባዕላ ንምፍራይ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሓ እያ።
መነባብሮ ህዝባ ንምቕያር ካብ ቢሮ ክሳብ ድሕሪ ቀፅሪ ብዝብል ጀሚራ፣ካብ ከተማ ክሳብ ገጠር ናብ ዝብል ተሰጋጊራ እያ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ጎስጓስ ምስሊ ከተማታት ምቕያር ዘበናዊነት፣ፅንሰ ሓሳብ ስማርት ሲቲን ሰብ ምስ ተፈጥሮ ናይ ምስምዕማዕ ልምምድን ዘፋለጠ እዩ።
እዚ ድማ ማእኸል ዲፕሎማሲ ዝኾነት ዋና ከተማና ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ዘጉልህ፣ልዕልና ሰንደቕና ዝውስኽ ኮይኑ እዩ።
ከተማታትና ናይ ምምዕባል ጅማሮ ሩባታትና ብምሕካም ድሕንነት ተፋሰሳት ዘረጋግፅ ኮይኑ እዩ።
ካብ እንጠጦ ጀሚሩ ዝስራሕ ዘሎ ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ንስነ ምህዳር ተፋሰስ ኣዋሽ እውን ዝሕክም መርኣያ ሓለዋ ከባቢ እዩ።
ሜላ መነባብሮ ገጠር ብምምዕባል ኢትዮጵያ ብኣወንታ እትለዓል ሃገር ናይ ምግባር ፃዕርና ውፅኢቱ እናተርኣየ እዩ።
እዚኣቶም ኩሎም ሰንደቕና ብኩርዓት ምውልብላቡ ዘጉልሁ ውፅኢት ትግሃትና እዮም።
ሎሚ እነኽብሮ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ መዓልቲ ነፃነት ዝተረኸበ ኣይኮነን፤ ነፃ ኮይኑ ንነፃነት ካልኦት ሓፍ ኢሉ እንትውልብለብ ዝተርኣየ ምልክት ነፃነት እምበር።
ነፃነቱ ንምኽባር ግና ኣያታትና ደም፣ስጋን ዓፅምን ከፊሎምሉ እዮም።
ኢትዮጵያ ምልክት ነፃነት ዓለም ገይሮም ኣረኪቦምና እዮም። ሎሚ እውን ከም ትማሊ ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ብደምን ዓፅምን ንምኽባር ዝቖረፁ ጀጋኑ ኣለውና እዮም።
ኣብ ምድሪ፣ኣየር፣ባሕርን ሳይበርን ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ብምኽባር ሰንደቓ መርኣያ ነፃነት ኮይኑ ንክቕፅል ዝተግሁ ጀግናታትና ኣለዉ።
መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እነኽብሮ ኣብ ኩሎም ግምባር፣ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንኢትዮጵያ ዋጋ ዝኸፍሉ ጀጋኑና ብምምስጋን፣ንዝለዓለ ልዕልንኡ ከምንተግህ ቃል ብምእታው እዩ።
ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ሰንደቕ ዓላማ ንምዕዋት ድማ ብዘይስስዐ ብሓባር ምፅዓር፣ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝኾነ ዋጋ ምኽፋል ካብ ዜጋታት ትፅቢት ይግበር።
እንኳዕ ንመዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብፀሐኩም!
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
3 ጥቅምቲ /2018 ዓ/ም