ኢትዮጵያውያን ጀግንነቶም ሃገር ኣብ ምልማዕን ምቕያርን ከርእዩ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያውያን ጀግንነቶም ሃገር ኣብ ምልማዕን ምቕያርን ከርእዩ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያውያን ጀግንነቶም ሃገር ኣብ ምልማዕን ምቕያርን ከርእዩ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ስራሕቲ ኮሪደር ልምዓት ዘትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ናይዚ ዘበን ጀግንነት ኢትዮጵያውያን ሃገር ኣብ ምልማዕን ምቕያርን ከምኡ እውን ህዝቢ ኣብ ምቕያር ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ልሙዕ ሃገርን መሬትን ሒዝና ክንልምን ኣይግባእን፤ ታሪኽ ልመናናን ሂወት ዜጋታትን ምቕያር እንኽእል ተጊህና ብምስራሕ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ንሰናይ ዕላማ ብምድማር ብብርኪ ሃገር ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ክሰርሑ ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም።
ቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ነገር ንክርከብ ሎሚ ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ንማሕበረሰብ ዝረአን ዝጭበጥን ስራሕ ንምስራሕ ቆራፅነት ኣመራርሓ ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረዲኦም።
ውድድር ብልምዓትን ውድድርን ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለፁ ቀዳምይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ክልላት ብዘለዎም ዓቕሚ ብምስራሕ ሂወት ዜጋታት እንተቐይሮም ብዘይ ጥርጥር ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ምርኣይ ከምዝከኣል ገሊፆም።
ኢትዮጵያውያውን ኣይንኽእልን ዝብል ሓሳብን ኣመለኻኽታን ክሰብርዎ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያውያን ምኽኣልና ቀደም እውን ኣሪእና ኢና ሕዚ እውን ክኢልና ክነርኢ ይግባእ ኢሎም።