ኣገልግሎታት ኣብያተ ፍርዲ ቅልጡፍን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ንምግባር ብቆራፅነት እናተሰርሐ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎታት ኣብያተ ፍርዲ ቅልጡፍን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ንምግባር ብቆራፅነት እናተሰርሐ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2018(ኢዜኣ) ኣገልግሎታት ኣብያተ ፍርዲ ቅልጡፍን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ንምግባር ብቆራፅነት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ኣገልግሎት ስሩዕ ችሎት በጀት ዓመት 2018 እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣካላት ተርጎምቲ ሕጊ ስራሕቶም ብዘይሻራውን ነፃነትን ንከሳልጡ እናተሰርሐ እዩ።
መመሓየሽታት ኣሰራርሓታት ሕጊ፣ምችው ከባቢ ስራሕ ምስፍሕፋሕ፣ንኣገልግሎታት ቤት ፍርዲ ብቴክኖሎጂ ናይ ምድጋፍ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ገሊፆም።
ነፃነት ዳይነት ምስ ተሓታትነት ጋህዲ ብምግባር እምነት ህዝቢ ዘትረፉ ትካላት ምህናፅ ካብ ኩላትና ትፅቢት ዝግበር ስራሕ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ፍትሒ ንኹሉ ንክረጋገፅ ትግሃት ዝሓትት ዓብይ ሓላፍነት እዩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ሃገርን ህዝብን ምቕዳም ንዕቤት ብልፅግና ሃገር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት ብግደኦም፤ ነፃነትን ዘይሻራውነትን ዳይነት በጀት ዓመት 2017 ንምጥንኻር፣ኣገልግሎቱ ቅልጡፍን ዘበናውን ንምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ተዛሪቦም።
ኣብ በጀት ዓመት 2018 እውን ስራሕቲ ኣገልግሎታት ብቴክኖሎጂ ምምዕባል፣ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ ምግባርን ኣብ ከይዲ ዘለዉ ማዕቐፋት ሕጊ ምምሕያሽን፣ምችው ከባቢ ስራሕ ምፍጣር ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።