ክብርን ግቡእ ልዕልናን ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ብምሕላው ናብ ቀፃሊ ወለዶ ምትሕልላፍ ሓላፍነት እዚ ወለዶ እዩ-ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ - ኢዜአ ትግርኛ
ክብርን ግቡእ ልዕልናን ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ብምሕላው ናብ ቀፃሊ ወለዶ ምትሕልላፍ ሓላፍነት እዚ ወለዶ እዩ-ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2018 (ኢዜኣ) እዚ ወለዶ ክብርን ግቡእ ልዕልናን ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ብምሕላው ናብ ቀፃሊ ወለዶ ናይ ምትሕልላፍ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
መበል 18 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ቀፃሊ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም “ሠንደቅ ዓላማና ንብስራት ዘበነ ብራኸ፣ንብሄራዊ ሓድነትና፣ንልኣላዊነትናን ንሕዳሰ ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ መዓልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ሰንደቕ ዓላማ መፍጠሪ መሳርሒ ልኣላዊነት፣ስልጣን ፖለቲካ፣ነፃነት፣ዕቤትን ማሕበረሰባዊ ምትእስሳርን ሓንቲ ሃገርን ህዝብን ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ሰንደቅ ዓላማ ኣብ ልቢ ሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ ዝተሓተመ መግለፂ ሃገራዊ ሓድነትን ነፃነትን ዓብይ ኣርማ ብሄራዊ ኩርዓት ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።
መርኣያ ሓድነትናን ሕብረትናን፣ጀጋኑ ኣያታትና ወረርቲ ብምሽናፍ ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት ምልክት ነፃነት ዝኾነ ሰንደቕ ዓላማ መስዋእቲ ሂወት ከፊሎም ንሓዱሽ ወለዶ ምርካቦም ኣብቲ መግለፂ ተፀሪሑ።
እዚ መሰረት ብምግባር ሰንደቕ ዓላማ ብብርኪ ሃገር ልዑል ቦታ ተዋሂብዎ ዝኽበር ዓብይ ሃገራዊ በዓል ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።
ስለዝኾነ እውን ክብርን ግቡእ ልዕልናን ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ብምሕላው ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ሃገራዊ ልኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምቕፃል፣ሕብረ ብሄራዊ ሕውነት ብምፅናዕ ብራኸ ዕቤት እታ ሃገር ምርግጋፅ ካብዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ትፅቢት ዝግበር ዓብይ ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣረዲኡ።
መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ብመሰረት ቁፅሪ ኣዋጅ ሰንደቕ ዓላማ 863/2006 (ዝተመሓየሸ) ኣንቀጽ 2 በቢዓመቱ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝኣተወሉ ፈላማይ ሰሙን መዓልቲ ሰኑይ ከምዝኽበር ተደንጊጉ እዩ።
ብመሰረት እዚ እውን መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እዚ ዓመት ኣብ ፌዴራል፣ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማን ምስ መትከላት ሰንደቕ ዓላማ ብምንባብ ከምኡ እውን ብስራትን ምንስርራእን ዓብይ ዘበነ ብራኸ ኢትዮጵያ ብዘረጋግፁ ዘተታት ተዓጂቡ ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መላእ ኡትዮጵያ ክኽበር እዩ።