መፅሓፍ‘የመደመር ትውልድ’ብቋንቋ ኡርዱ ተተርጕሙ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 30/208(ኢዜኣ) ብቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ‘የመደመር ትውልድ’ ብብሄራዊ ቋንቋ ፓኪስታን ኡርዱ ተተርጕሙ ንንባብ በቒዑ።
ስራሕ ትርጉም መፅሓፍ‘የመደመር ትውልድ’ብመሰረት መምርሒ ምልክታ ብሄራዊ ቋንቋ ፓኪስታን ዝተሳለጠ እንትኸውን ሚኒስትር ባህልን ሓድግን ፓኪስታን ኣውራንግዜብ ካን ኺቺ ክትትል ከምዝገበርሉ ተገሊፁ። 




እዚ ትርጉም ስራሕ ኣብ መንጎ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ባህልን ሓድግን ፓኪስታን አውራንግዜብ ካን ኺቺን ዝተገበረ ስምምዕ ስዒቡ ዝተሳለጠ እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ እቲ መፅሓፍ ኣምባሳደር ጀማል በከር(ዶ/ር)፤ እቲ መፅሓፍ ብቋንቋ ኡርዱ ምድላዉ ኣብ ፓኪስታን ብዝርከቡ ልሂቃን፣ሙሁራንን መናእሰይን ልዑል ናእዳ ዘትረፈ ፍልስፍና መደመር ብዕምቆት ንክርድኡ ዓብይ ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን ተዛረብቲ ኡርዱኛ ቀንዲ መልእኽቲ እቲ መፅሓፍ ብቐሊሉ ንክርድኡ ኢሉ እውን ኢትዮጵያ እትኽተሎ ኣተሓሳስባ ሓባራዊ ብልፅግና ንምልላይ ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
ኣምባሳደር ጀማል በከር(ዶ/ር) ቤት ፅሕፈት መምርሒ ምልክታ ብሄራዊ ቋንቋ ፓኪስታን ዝጎብነዩ እንትኸውን ቅዳሕ ቋንቋ ኡርዱ እቲ መፅሓፍ ካብ ዋና ዳይሬክተር እቲ መምርሒ መሐመድ ሳሊም ማዝሃር(ፕሮፌሰር) ተቐቢሎም።
እቲ ትርጉም ውፅኢት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ዘሎ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እንትኸውን ኣብ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ እውን መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ተገሊፁ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም