ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኮሜሳ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ንምዕባለ ሃገረ በቆል ኢኮኖሚ ቀንዲ ውራይ ጌራ እናሰርሐት ምዃና ግንዛበ ኣጨቢጣ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም 30/2018(ኢዜኣ) ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሓበራዊ ዕዳጋ ሃገራት ምብራቐን ደቡብን ኣፍሪካ(ኮሜሳ) ኢትዮጵያ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ንምዕባለ ሃገረ በቆል ኢኮኖሚ ቀንዲ ውራይ ጌራ እናሰርሐት ምዃና ግንዛበ ንክውሰድ ከምዝተገበረ ሓላፊት ሴክሬተርያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን ።
መበል 24 ጉባኤ መራሕቲ ሓበራዊ ዕዳጋ ሃገራት ምብራቐን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ትማሊ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተኻይዱ።




ኣብቲ ጉባኤ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ካብ ኣባል ሃገራት ኮሜሳ ዝተውፃፅኡ መራሕቲ ሃገራት ተሳቲፎም ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ገባኤ ኣብ ዘቐረብዎ መደረ ዲጂታላይዜሽን ቀንዲ ዓምዲ ኣጀንዳ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ከም ኢኒሼቲቭ ስልጠና ኮደርስ ዝኣመሰሉ ጠንካራ ዲጂታል መሠረተ ልምዓት ብምህናፅን ሰፊሕ ክእለር ብምፍራይን ኢትዮጵያ ዘዕግብ ውፅኢት ኣብ ምምዝጋብ ከምትርከብ ምፅርሖም ሓላፊት ሴክሬተርያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም፤ ፃዕርታት ዲጂታላይዜሽን ውሽጢ ሃገር ልዑል ውፅኢት  ከምዘምፅኡን ምስ ሸቶታት እቲ ዞባ ክጠዓዓሙ ከምዝግባእን ምዝራቦም እተን ሓላፊት ተዛሪበን፡፡ 
ሓላፊት ሴክሬተርያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ኣስዒበን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መናእሰይ ኣፍሪካ ንልምዓትን ምዕባለን ኣፍሪካ ወሳኒ ሃፍቲ ምዃኖም ምልዓሎም ፀሪሐን ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ሃገራት ኣፍሪካ ዝጎልበተ ተሰጥኦን ዓቐምን  መንኣሰይ ኣፍሪካ ክጥቀማ ከምዝግበአን ምግላፆም ኣረዲአን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም