ግልፂ፣ተሓታትነት ዝተረጋግፀላን ዝበልፀገትን ሃገር ብሓባር ክንሃንፅ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 27/2018 (ኢዜኣ) ግልፂ፣ ተሓታትነት ዝተረጋግፀላን ዝበልፀገትን ሃገር ብሓባር ክንሃንፅ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም፤ ንተሸለምቲ 7ይ ዙር ስነ ስርዓት ኣፍልጦ እሙናት ከፈልቲ ግብሪ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።




ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተዋፅእዎ ግብሪ ንሓባራዊ ዕቤትን ህዝባዊ ረብሓን ኣብ ዝውዕሉ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ከምዝውዕል ቃል ኣቲና ኔርና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኮሪደራት ከተማና ዝረአ ለውጢ ነቲ ቃልና ህያው ምስክር ኮይኑ ይረአ ክብሉ ገሊፆም።
ዘክሩ፣ናይ ሎሚ ፃዕርኹም ዝሓሸ መፃኢ ዕድል ቀፃሊ ወለዶ እናቐረፀ እዩ ብምባል እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ግዕዝይናን ስርቅን ንምጥፋእ ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ስርዓታትና ምጥንኻር ክንቕፅለሉ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ከፈልቲ ግብሪ እውን ኣብ ተዛመድቲ ጎዳእቲ ስራሕቲ ንዝተዋፈሩ ብዘይምትሕብባር ንክሕግዙ ኣተሓሳሲቦም።
ግልፅ፣ተሓታትነት ዝተረጋግፀላን ዝበልፀገትን ሃገር ብሓባር ክንሃንፅ ኢና እውን ኢሎም።



 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም