Pulse of Africa ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ናይ ምዃን ሕልሙ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብትግሃት ምስራሕ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
Pulse of Africa ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ናይ ምዃን ሕልሙ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብትግሃት ምስራሕ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 27/2018 (ኢዜኣ) ሚድያ Pulse of Africa ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይን ተደላይን ናይ ምዃን ሕልሙ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብትግሃት ምስራሕ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ስራሕ ሚድያ Pulse of Africa ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ኣፍሪካ ዓባይ እንከላ ንእሽተይ መሲላ ንክትረአ ዝገበራ ቀንዲ ምኽንያት ሃገራት ኣፍሪካ ብተረኽ ኣእምሮ ናይ ምምጋብ ድልውነት ውስን ስለዝኾነ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዝምጥኑ ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታት ከምዝተሃነፁ እውን ሓቢሮም።
ሎሚ ብዕሊ ስራሕ ዘጀመርዎ ሚድያ Pulse of Africa ብቐሊሉ ክረአ ከምዘይግባእ ተዛሪቦም።
ሚድያ Pulse of Africa ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ኣፍሪካ ቀዳሞትን ተፈለጥትን ካብ ዝኾኑ ሚድያታት እቲ ሓደ ከምዝኸውን ምንም ጥርጥር የብሉን ክብሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ዕቤት ሚድያ ሓንቲ ሃገር ምስ ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገራት ዝተኣሳሰረ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ኣብ ምንስርራእ ከምትርከብ ፀሪሖም።
ድሕሪ 10 ዓመት እትህሉ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብብዙሕ ነገር ግንባር ቀደም ከምትኸውን ብምግላፅ፤ ሽዑ ጉዳይ ተረኽ ናይ ምህናፅ ድሌት ዘይኮነስ ጉዳይ ሓላፍነት እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ እናዓበየ እንትኸይድ ኣብ ተረኽ ኣፍሪካ ርኡይ እጃም ምብርካት ሓላፍነታ ምዃኑ ዘይተርፍ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ ልዑል ሓደጋ ዝነበረ ካብ ወፃኢ ዝመፁ በዝበዝቲ ሓይልታታ ኣፍሪካ ከይብዝብዙ ምክልኻል ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ብግምባር ቀዳምነት ብምስላፍ ካብ ዓድዋ ዓብይ ብስራት ዘስመዐት ብደምን ኣዕፅምትን ደቃ ብልዑል ተጋድሎ ንብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ነፃ ምውፃእ ዓብይ እጃም ከምዘበርከተት ኣረዲኦም።
ኣፍሪካ ድሕሪ እቲ ተጋድሎ ካብ ምክልኻል ናብ ልምዓትን ብልፅግናን ክትሰጋገር ከምዝነበራ ብምግላፅ፤ ጉዳይ ንኣፍሪካ ድምፂ ምዃን ኣፍሪካውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝፅበይዎ ነገር እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሎሚ ካብ ዓርሳ ተሳጊራ ድምፂ ኣፍሪካ ንምዃን እናሰርሐት ከምዝኾነት እውን ፅሪሖም።
ኣፍሪካ ምድረ ቀዳሞት፣ልዑል ሃፍቲ ከርሰ ምድሪ ዘለዋን ንምፍጣር ዘብቅዕ ኣእምሮ ዘለዎም መናእሰይ ዘለውዋን ኣህጉር ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ብምስጋር ልዕልነት፣ ሃፍታምነት፣ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣፍሪካውያን እንትድመሩ ዝሓሸ ነገር ምስራሕ ከምዝኽእሉ ሚድያ Pulse of Africa ብብዙሕ ነገር ከምዘምህር ኣብራህሪሆም።
Pulse of Africa ልዕሊ እኹል መሰረተ ልምዓት ከምዝሃነፀ ብምግላፅ፤ እቲ ሚድያ ኣብ ምርምር መሰረት ዝገበሩ ፀብፃባት እንተሰሪሑ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ክኸውን እዩ ኢሎም።
ሚድያ Pulse of Africa ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይን ተደላይን ናይ ምዃን ሕልሙ ውፅኢታዊ ንክኸውንን ንክዕወትን ብትግሃት ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።
Pulse of Africa ድምፂ ኣፍሪካ እዩ፤ መግለፂ ምስሊ፣ባህልን ሃፍትን ኣፍሪካ እዩ ኢሎም።
ምስ ኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ኣብ ኩሉ ነገር ብምትሕብባርን ብምድማርን ብሓባር ጠጠው ክንብል ይግበኣና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ መዳይ እውን Pulse of Africa ናይ ባዕሉ እጃም ንክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም።