ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ ዘበናውን ጠንካራን ሰራዊት ክብርን ልኣላዊነትን ሃገር ብዘተኣማምን መልክዑ ዝሕልው እዩ-ጄኔራል ኣበባው ታደሰ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ ዘበናውን ጠንካራን ሰራዊት ክብርን ልኣላዊነትን ሃገር ብዘተኣማምን መልክዑ ዝሕልው እዩ-ጄኔራል ኣበባው ታደሰ
ባቱ/መስከረም/ 27/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ ዘበናውን ጠንካራን ሰራዊት ክብርን ልኣላዊነትን ሃገር ብዘተኣማምን መልክዑ ዝሕልው ከምዝኾነ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ገሊፆም።
ክፍለ ሰራዊት 21 ጉና እዚ ደቡብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መበል 30 ዓመት ምስረትኡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ባቱ ላዕለዎት ወታደራዊ መኮንናት፣ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኽቢሩ።
ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ፣ብቕዓትን ጀግንነቱን እውን ዘተኣማምን ዋሕስ ኢትዮጵያ እዩ።
ከንቱ ሕልምታት ውሽጣዊ ባንዳታትን ደጋዊ ፀላእትን ብምምካን ኢትዮጵያ ተኸቢራን ልኣላዊነታ ተሓልዩን ንክዘልቕ ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ ዘበናውን ጠንካራን ሰራዊት ክብርን ልኣላዊነትን ሃገር ብዘተኣማምን መልክዑ ዝሕልው እዩ ኢሎም።
ክፍለ ሰራዊት 21 ጉና እዚ ደቡብ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ሰላምን ድሕንነትን ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ወታደራዊ መራሕቲ ዘፍረየን ትምህርታዊ ልምዲ ዝተቐሰመሉን ክፋል ሰራዊት ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ኣዛዚ እዚ ደቡብ ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጄኔራል ሰለሞን ኢተፋ ብግደኦም፤ እቲ ክፍለ ሰራዊት ግብረ ራዕዳዊ ምንቅስቓስ ፀረ ሰላም ሓይልታት ብምምካት ዘኹርዕ ገድሊ ብምፍፃም ሃገር ኣብ ምፅናዕ ዝለዓለ እጃሙ እናተዋፅአ እዩ ኢሎም።
እቲ ክፍለ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ክፍለ ሰራዊታት ንክምስረቱ ልምድን መሰረትን ብምዃን እናገልገለ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።