ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባታትን ዝለምዑ ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም ኣብ ምልላይ ብሓባር ክሰርሑ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባታትን ዝለምዑ ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም ኣብ ምልላይ ብሓባር ክሰርሑ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 27/2018(ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባታትን ዝለምዑ ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም ኣብ ምልላይ ብሓባር ከምዝሰርሑ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ምስ ኩርዓት ሃገርና ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ንሰርሐሎም ጉዳያት ሎሚ መዓልቲ መረዳድኢ ሰነድ ተፈራሪምና ኢለን።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሳውን ማኔጅመንቶምን ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባታትን ድሕሪ ምጉብናዮም ብዝተወደበን ብዝተዋደደን መልክዕ ብሓባር ንምስራሕ መረዳድኢ ሰነድ ምፍርራሞም ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕ ብዋናነት ኣብታ ከተማ ብልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባታትን ዝለምዑ ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም ኣብ ምልላይ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።