ምጅማር ስራሕ ሚድያ Pulse of Africa ኣፍሪካ ብኣሉታዊ ምስሊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ንምምካት ዘኽእል ስጉምቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)






ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 27/2018 (ኢዜኣ) ምጅማር ስራሕ ሚድያ Pulse of Africa ኣፍሪካ ብኣሉታዊ ምስሊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ንምምካት ከምኡ እውን ናይ ባዕልና ተረኽ ብባዕልና ናይ ምቕራፅ ስራሕና እነፅነዐሉ ጠቓሚ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።


እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዋላ ኳ ኣፍሪካ ሰፊሕን ዕቑርን ሃፍቲ ዘለዋ ኣህጉር እንተኾነት መብዛሕቲኡ ግዜ ከም ትሑትን ዓቕሚ ዘይብላን ተገይራ እያ ትረአ ኢሎም።


ካብዚ ብምብጋስ እዩ ዝነኣሰ ግን ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ጅማሮ Pulse of Africa ኣብ ቀፀልቲ እዋናት ናብ ዝለዓለ መሪሕ ኣህጉራዊ ሚድያ ናይ ምዕባይ መንገዲ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኸውን ክብሉ ሓቢሮም።


ኣፍሪካ ዓብይ ማእኸል ኢንዱስትሪን ቁልፊ ፈጣሪት ፅልዋ ዓለምን ንምዃን ብዘየጠራጥር መንገዲ እናተጉዓዘት ከምትርከብ ኣረጋጊፆም።


ምጥያሽ ሚድያ Pulse of Africa ንቕድሚት ናይ ምርኣይ ስጉምቲ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ መድረኽ ዓለም ጠንካራ ድምፂ ኣፍሪካ ናይ ምስማዕ መሰረት እዩ እውን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም