ባህርዳር ከም ወጋሕታ መስከረም ፅባቐ፣ተስፋን ልምዓትን ኮይኑላ ተዓዚብና-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ





ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2018(ኢዜኣ) ባህርዳር ከም ወጋሕታ መስከረም ፅባቐ፣ተስፋን ልምዓትን ኮይኑላ ተዓዚብና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።


እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ማይ ምስ ፅባቕኡን ህድኣቱን፤ መልክኣ ምድሪ ምስ ለምለምነቱ፤ ልምላመ ምስ ንፅህንኡ ዝተዓደለት ምልክት ፅባቐ ባህር ዳር ብሓባራዊ ፃዕሪ ጠንካራ ኣመራርሓን ነበርታን ፅባቕኣ ብዝበለፀ እናጎልሀን እናደመቐን እዩ ኢሎም።


እቲ ኣብ ዓብይ ኣባይ ዝተሃነፀ በዓል ግርማ ሞጎስ ድልድል ንባህር ዳር ካብ ድልድል ንላዕሊ መፍለዪ ቀለማ፣መባፅሒ ቱሪዝማ ከምዝኾነ ተዓዚብና ክብሉ እውን ሓቢሮም።


ባህር ዳር ንፅባቕኣን ክብራን ዝምጥኑ ስፍራታት እናተሃነፁ፣እቲ ልምዓት ኮሪደር እውን ካብ ፅባቐ ዝተሳገረ መሳለጢ ልምዓት ኮይኑ ብቕልጡፍ እናፀበቐት እያ ኢሎም።


መባፅሒ ጉዕዞ ብልፅግናና እውን ከም ሃገር ናብ ዝምጥና ብራኸ ምስግጋር እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም