መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን መንግሥቲ ብሓላፍነት ክሰርሕ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ


ኣዲስ ኣበባ/መስከረም /26/2018(ኢዜኣ) መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን መንግሥቲ ብሓላፍነት ከምዝሰርሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።


ሓባራዊ ስነ ስርዓት መኽፈቲ መበል 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ተኻይዱ።


ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ በጀት ዓመት ዝሰለጥ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ንክኸውን መንግሥቲ ክሰርሕ እዩ።


መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ሰላማዊ፣ዲሞክራሲያውን ብኢትዮጵያውያን ተኣማኒ ንክኸውንን መንግስቲ ብሓላፍነት ከምዝሰርሕ ገሊፆም።


መላእ ህዝቢ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተለመቶምን ዝጀመረቶምን ዓበይቲ ስጉምትታት ለውጢ ንክድግፍን ብትግሃት ንክሳተፍን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።


ፈተውትን መሓዙትን ኢትዮጵያ እውን ንዕዉትነት እቶም ትልምታት ቀንዲ መሓዛ ንክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።


ሰናይ ዓመተ ዓወትን ተግባርን ንክኸውን እውን ተመንዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም