ዝቕባበ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝቕባበ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም /26/2018(ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2018 መንግሥቲ ዝቕባበ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ዝጀመሮም ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ መበል 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ኣብ ዋና ዋና ትልምታት ልምዓት 2018 ዓ/ም ኣመልኪቶም መደረ ገይሮም።
ኣብ መደረኦም እውን፤ መንግሥቲ ዝቕባበ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ዝቕባበ ዋጋ ንምውራድ ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝሳለጡ እውን ተዛሪቦም።