ኣማራፅታት ዕርቅን ሰላምን ብምኽታል ሰላም ሃገርና ዘተኣማምን ንምግባር እናተሰርሐ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ


ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 26/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ኣማራፅታት ዕርቅን ሰላምን ብምኽታል ሰላም ሃገርና ዘተኣማምን ንምግባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ተዛሪቦም።


ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ መበል 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ኣብ ዋና ዋና ትልምታት ልምዓት 2018 ዓ/ም ኣመልኪቶም መደረ ገይሮም።


ኣብ መደረኦም እውን፤ በቢቦትኡ ዝረኣዩ ጎንፅታት ዋላ ኳ ብሓይሊ ምዕራቕን ምስትኻኻልን ዝከኣል እንተኾነ ዘላቒ ሰላም ዝረጋገፅ ግና ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ከምዝኾነ መንግሥቲ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ ኢሎም።


ጉዳይ ሰላም ክሳብ ሕዚ እናተሰርሐሉ ከምዝፀንሐን ኣብዚ ዝሓዝናዮ በጀት ዓመት እውን ትኹረት መንግስቲ ኮይኑ ከምዝቕፅልን ኣረዲኦም።


ስለዝኾነ እውን ኣማራፅታት ዕርቅን ሰላምን ብምኽታል ሰላም ሃገርና ዘተኣማምን ንምግባር መንግሥቲ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።


እዚ እምነት ሃገራዊ ምርድዳእ ንምኽታል፣ዘላቕን ተቐባልነት ዘለዎን ሃገረ መንግሥቲ ንምምስራት ዝለዓለ ፋይዳ ከምዘለዎ ሓቢሮም።


እዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር መላእ ህዝቢ ከምኡ እውን ልሂቃን እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም