ጉዳይ ምርካብ ዘተኣማምንን ዘላቕነት ዘለዎን ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እናዓበየ ዝመፀ ተቐባልነት ምርካብ ክኢሉ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ 



ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 26/2017(ኢዜኣ) ጉዳይ ምርካብ ዘተኣማምንን ዘላቕነት ዘለዎን ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እናዓበየ ዝመፀ ተቐባልነት ምርካብ ክኢሉ እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።


ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ መበል 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን መደረ እናስምዑ እዮም ዝርከቡ።


ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብዚ እዋን፤ ጂኦ ስትራቴጂካዊ ቁመና ኢትዮጵያ እናዓበየ ከምዝርከብ ብምሕባር እቲ ስትራቴጂ ኢትዮጵያ ካብ ተዓዛብነት ናብ ኣጀንዳ ወሃቢትን ፅልዋ ፈጣሪትን ምስግጋር ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።


ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ተሳገርቲ ሃፍታ ዘለዋ ፍትሓዊ ተረባሕነት እንትተረጋግፅ ዘተኣማምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትረክብ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።


መሰረት ህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾኑ ሃፍትታት ማይ መንግሥቲ ዘይተቛረፀ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ፃዕርታት እናገበረ እዩ ዝርከብ ኢሎም።


ክሳብ ሕዚ ብዝተገበሩ ፃዕርታት እውን 3 ውፅኢታት ከምዝተመዝጉ ፀሪሖም።


ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣጋጢመምዎ ካብ ዝነበሩ ፈተናታት ብጥበብ ብምሕላፍ ተዛዚሙ ንምረቓ ምብቅዑ እቲ ዝዓበየ ዓወት እዩ ኢሎም።


ጉዳይ ምርካብ ዘተኣማምን ዘላቕነት ዘለዎን ኣፍ ደገ ባሕሪ እውን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋሩን እዚ ፍትሓዊ ሕቶ ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እናዓበየ ዝመፀ ተቐባልነት ምርካብ ምኽኣሉን እውን ኣረዲኦም።


ብተወሳኺ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገር ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ብኽብሪ ምምላሶምን እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም