መንግሥቲ ስምብራታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፅጋን ተግባራዊ ዝገበሮ ዝተማልአ ሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዮም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ 




ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 26/2017(ኢዜኣ) መንግሥቲ ስምብራታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፅጋን ተግባራዊ ዝገበሮ  ዝተማልአ ሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።


ስነ ስርዓት መኽፈቲ መበል 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።


ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ምጅማር እዚ ሓዱሽ ዓመት ነስሓ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ምምራቑን ኣብ ምጅማር ወርሒ መስከረም ሃፍቲ ከርሰ ምድርና ዝኾነ ጋዝ ተፈጥሮ ምውፅኡን መርኣያ መልህቅ ዕቤት ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም።


መንግሥቲ ስምብራታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፅጋን ተግባራዊ ዝገበሮ ዝተማልአ ሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ እወን ተዛሪቦም።


ካብ ነፀላ ናብ ብዝሃነት ልምዓት ኢኮኖሚ ብምስግጋር ኣብ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ኤክስፖርት ኢትዮጵያ እናዓበየን እቲ ኢኮኖሚ እውን ጭቡጥ ለውጢ እናርኣየን ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም