ኢኮኖሚና ኣብ ምንስርራእ እዩ ዝርከብ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢኮኖሚና ኣብ ምንስርራእ እዩ ዝርከብ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም /26/2018(ኢዜኣ)፡ መንግሥቲ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት መፅናዕቲ ብምግባር ተግባራዊ ብዝገበሮም መመሓየሽታት ኢኮኖሚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢኮኖሚና ኣብ ምንስርራእ እዩ ዝርከብ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ መበል 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ መበል 6ይ ኣብያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን መደረ እናስምዑ እዮም ዝርከቡ።
ኣብ መደረኦም እውን፤ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንዘበናት ኣብ ትሕቲ መዋቕራዊ ፀገማት ወዲቑ ኣብ ልዑል ፅልዋ ዕዳ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ቅድሚ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝምዝገብ ዝነበረ ዕቤት እውን ዘላቒ መሰረት ፋይናንስ ዘይነበሮ፣ሃገር ንልዑል ዕዳ ዘቃልዐን ምዝባዓት ማክሮ ኢኮኖሚ ዝፈጠረን እዩ ኔሩ ኢሎም።
መንግሥቲ እዞም ምዝባዓት ኢኮኖሚ ዘስተኻኽሉን ናብ ብልፅግና ዘብፅሑን ቅልጡፍን ሰፊሕን መመሓየሽታት ኢኮኖሚ ተግባራዊ ምግባሩ እውን ተዛሪቦም።
ነዚ ስዒቡ እውን ኣታዊ መንግሥቲ፣ንግዲ ወፃኢ ከምኡ እውን ውህላል ሸርፊ ወፃኢ ምዕባይ ከምዝኸኣለ ብምሐባር፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።