ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ትልምታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ኢንዱስትሪ ኣብ ምቅልጣፍ ርኡይ እጃም ኣለዎም- ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል - ኢዜአ ትግርኛ
ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ትልምታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ኢንዱስትሪ ኣብ ምቅልጣፍ ርኡይ እጃም ኣለዎም- ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2018 (ኢዜኣ) ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ትልምታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ኢንዱስትሪ ኣብ ምቅልጣፍ ርኡይ እጃም ከምዝህልዎም ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) 4 ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን ፕሮጀክትታት 30 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ምብሳሮም ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትት ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ንመፍረያይነት ኢንዱስትሪ ዝተገበረ ደገፍ እቲ ዓውዲ ጭቡጥ ዕቤት ንከመዝግብ መሰረት ኣንቢሩ እዩ።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተመሪቖም ንኣግልግሎት ዝበቕዑን እምነ ኩርናዕ ዝተቐመጠሎምን ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክት እውን ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ትርጉም ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ብፍላይ ድማ ፋብሪካ ማዳበሪያን ፋብሪካ ጋዝ ተፈጥሮን መፍረያይነት ግብርና ብምዕባይ ተወሳኺ እታዎት ኢንዱስትሪ ብምዃን ንምንስርራእ ኢኮኖሚ መሰረት ዘንብሩ እዮም ኢሎም።
እቲ ፈለማይ ዝተመረቐ ፋብሪካ ጋዝ ተፈጥሮ እውን ተመጋጋቢነት ዕቤት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዘርኢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሃገራዊ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምቕፃል እውን ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምጥንኻር ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንምንቕቓሕ ዝተወሰዱ ሃገራዊ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖምን ስጉምትታት ፖሊስን ኣብ ዕቤት እቲ ዓውዲ ጭቡጥ ውፅኢት እናመዝገቡ ከምዝኾኑ እውን ኣብራህሪሆም።